Fana: At a Speed of Life!

ንሕክምና ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን መድሓኒት ሃገር በቆል ምስ ዘበናዊ ብውዳድ እናተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሕክምና ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን መድሓኒት ፈላጣት ሃገር በቆል መድሓኒት ምስ ዘበናዊ ሓኻይም ብውዳድ እናተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፥ ቫይረስ ኮሮና ብሳይንሳዊ ምርምር ዝተሓገዘ ሃቀር በቆል ፍልጠት ምስ ዘበናዊ ሳይንስ ብምውዳድ ንምሕካም ዝተሰርሐ መድሓኒት መሰረታዊ ከይዲ ምርምር ሓሊፉ ተደጋጋሚ ከይዲ ቤተ ፈተነ ምሕላፉ ገሊፁ ነይሩ።

ሕዚ ድማ እቲ ምርምር ተደጋጋሚ ከይዲ ምርምር ሓሊፉ ናብ ምፍራይን ቀፃሊ ስራሕቲ ተፍትሽ እንስሳትን ክሊኒካልን ንኽሰጋገር ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉዳይ መግለፂ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 8 ሺሕ እፅዋት እቶም 7 ሺሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ቅድም ክብል ዝተጀመረ ባህላዊ ሕክምና ምስ ዘበናዊ ብምፅማድ ናይ ምስራሕ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝተርኣየ ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን መድሓኒት ንምድላው ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉን ተስፋ ዝህብ ኩነታት ከምዝተርኣየን ተገሊፁ።

እቲ ምድላው መዳሓኒት መለክዒታት ውድብ ጥዕና ዓልምን ኢትዮጵያን ብዘማልአ መልክዑ እናተኸየደ ከምዝርከብ እውን ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ።

ምድላው ናይቶም ኣፋውስ እንትዛዘም ድማ ብሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣቢሉ ዕላዊ ከምዝግበርን ተገሊፁ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.