Fana: At a Speed of Life!

ንምርመራ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ናሙናታት ዘትርፍ ማሽን ላብራቶሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተተኺሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርመራ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ናሙናታት ዘትርፍ ማሽን ላብራቶሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ማእኸል ጥዕና ተተኺሉ።

ብረቲና ፋርማቲካል ኣቢሉ ዝተተኸለ ኮባስ 6800 ማሽን ብሰዓት 834 ናሙናታት ዝቕበል እንትኸውን፥ ናብ ወፃኢ ሃገር ዝለኣኹ ምርመራታት ብምትራፍ ሕብረተሰብ ብልዑል ወፃኢ ከምዘድሕን ተኣሚኑሉ።

5 ሚሊየን ዝኸውን የውፅእ ኢዩ ዝተብሃለ ማሽን ላብራቶሪ ፍሉይ ዝገብሮ ቫይረሳት ኤች ኣይ ቪን ጉበትን ሓዊሱ ካልኦት ቫይረሳት ንምፍላይ ዘኽእል ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንምርመራ ናይ ማህፀን ካንሰር ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ተወካሊ ኢንስቲቲዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣይተ ፈይሳ ጫላ፥ እቲ ማሽን ነቲ ሆስፒታል ብናፃ ዝተውሃበ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማእኸል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኣቤኔዘር ታዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.