Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሌን ንምጥንኻር ዘዓለመ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታ ሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርክብ ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሌን ንምጥንኻር ዘዓለመ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ፥ “ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትና ንምጥንኻር ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘተ ንፍታሕ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

ኩለመዳይ ርክብ ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሊያን ንምጥንኻርን ሓለሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ክልላት መዋሰንቲ ከባቢታት ዝረኣዩ ጎንፂታት ንፍታሕን ዛዓለመ መድረኽ ዘተ ኢዩ ታባሂሉ።

እቲ መድረኽ፥ ሚኒስቴር ሰላምን ጉባኤ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያን ምስ ጀስትስ ፎር ኦል ፕሪዝን ፌሎሽፕ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝተሰናድአ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.