Fana: At a Speed of Life!

ንምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ከምዝሰርሑ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ ሞሓመድ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ከምዝሰርሑ ሓዱሽ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ ሞሓመድ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ትዊተር ገፆም ንመግለፂ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ምስጋና፥ ክልተኣዊን ዲፕሎማሲያዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፓርላማ ሶማሊያ ንሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ገይሩ ምምራፁ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ንተመራፂ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሓመድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሶም ኣመሓላሊፎም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ ሞሓመድ ሓበራዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዝኾኑ ክልተኣዊን ዞባዊን ዛዕባታት ተቐራሪቦም ብሓባር ከምዝሰርሑ ዘለዎም እምነት ገሊፆም ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.