Fana: At a Speed of Life!

ንሰብ ውዕለታ ሃገር ውሩያት ኣትሌታት መበረታትዒ ሽልማት ገንዘብ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ን100 ውሩያት ኣትሌታት ሰብ ውዕለታ ሃገር መበረታትዒ ሽልማት ገንዘብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተበርኪቱሎም።

እቶም ውሩያት ኣትሌታት ንሕድሕዶም ብር 3 ሺሕ ሓገዝ ገንዘብ ህያብ ብፕሬዚዳንት ማሕበር ውሩያት ኣትሌታት ኮማንደር ጌጤ ዋሚ ኣቢሉ ተበርኪቱሎም፡፡

እቲ ህያብ በቢዝተወሰነ እዋን ቀፃሊ ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ከምዚ ዓይነት ፅቡቕ ናይ ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ስራሕቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ቦታ ክቕፅል ከምዝግባእ እታ ፕሬዘዚዳንት ተዛሪባ።

ማሕበር ውሩያት ኣትሌታት ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ጀሚሩ ኣባል ማሕበር ዓለም ለኸ ኢሉ እውን ማሕበር ኣፍሪካ እንትኸውን፥ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ ቀዋሚ ኮይኑ ንኽቕፅል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ እቲ ሓገዝ ኣብ እዋን ኮሮና ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሓቲቱ ዝተረኸበ ኮይኑ ፍርቁ ድማ ካብ ኣይተ ኣብነት ገብረመስቀል ዝተበርከተ ከምዝኾነ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.