Fana: At a Speed of Life!

ንሽዱሽተ ኩባኒያታት ፈቓድ ልዑል ፍርያት መዓድን ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሽዱሽተ ኩባኒያታት ፈቓድ ልዑል ፍርያት መዓድን ከምዝሃበ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር መዓድንን ነዳድን ኢንጂነር ታከለ ኡማን መካየድ ስራሕ እቶም ኩባኒያታትን ፈሪሞምዎ፡፡

ፍቓድ ዝተውሃቦም ኩባኒያታት ኣለሻ መዓድን ዛዚሞም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምምላኦም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ኩባኒያታት ኩርሙክ ጎልድ ማይን፣ ኢትኖ ማይኒንግን ኦሮሚያ ማይኒንግ ፍቓድ ፍርያት መዓድን ወርቂ ተዋሂቡዎም፡፡

ኣሊ ሃሚል ካሓዲም ፍቓድ ምፍራይ ብሮሚንን ክሎሪንን እንትወስድ፥ ኩባኒያታት ኪሪፕቶ ማይኒንግ ኤንድ ኬሚካልስን ቡሁሚ ማይኒንግን ድማ ፍቓድ ምፍራይ እምነበረድ ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ኩባኒያታት ልዕሊ 4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ካፒታል ኢንቨስትመንት ዘመዝገቡ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.