Fana: At a Speed of Life!

ንቐፃሊ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ቅልጡፍ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ዓፋር ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ዝሓሸ ቅልጡፍ ስራሕቲ ምክልኻል ክስራሕ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ክልል ዓፋር ብውሕጅ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ንምቁፅፃር እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዘትዮም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ከምዝገለፁዎ÷ ብውሕጅ ሓደጋ ዝበፅሖም ከባብታትን ንቐፃሊ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብዝሐሸ መልክዑ ቅልጡፍ ስራሕቲ ክስርሁ ከምዝግባእ እውን ኣተሃሳሲቦም፡፡ ንቐፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ ብዝምልከት ኣንፈት ምቕማጡ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር የመላኽት፡፡

ኣብቲ ዘተ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ተፋሰስ መስኖ እቲ ክልል ዋላእ ዊቲካ÷ ብውሕጅ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ንምምካት እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲን ዝበፅሑ ጉድኣታትን ዝምልከት ሪፖርት ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.