Fana: At a Speed of Life!

ንተግባራውነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ግደ ህዝብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ወሳኒ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንተግባራውነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ግደ ህዝብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ወሳኒ ምዃኑ ተገሊጹ።

ድሕሪ ነቲ ዝተረኸበ ሃዋህው ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ትልሞም ንክፍሽል እቲ ማሕበረሰብ ተወዲቡ ክቃለሶምን ከባቢኡ ካብ ከምዚኦም ዝዓይነቶም ሃወኽቲ ክሕሉ ይግባእ ዝበሉ ምስ ጣብያና ፃንሒት ዝገበሩ ግዱስ ኢትዮጵያዊ ካልኣዩ መሓሪ እንትኾኑ፤ ዋና መጠንጠኒ ኩሉ ዓይነት ልምዓት ሰላም እዩ ዝበሉ ድማ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ መረሳ ካሕሳይ እዮም።

እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን  ህወሓትን ዝተበፅሐ ውዕሊ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ  ዓብዪ ሩፍታ እዩ ሂቡ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ መሓሪ፤ እዚ ድማ ኣብ ኩለን ከባብታት ክልል ትግራይ ንክዓስልን ንክባፃሕን ባህጊ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ንክኾንን ክስራሕ ከምዝግብኦ ፀዊዖም።

ስነ ልቦናዊ በሰላ ንክሓዊ መንግስቲ ብዕቱብ ክሰርሕ ይግበኦ ዝበሉ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣይተ መረሳ ካሕሳይ፤ በዚ ድማ ዘይተጀመሩ መደበኛ ስራሕቲ ንክጅመሩን ብተወሳኺ ድማ ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ነቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ሐዚ እውን ናህሪ ዕደጋ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ፤ እዚ ድማ ቀንዲ መንቀሊኡ ፀረ ልምዓትን ስሱዓትን ኣብ ሓፂር እዋን ምኽባር ዝደልዩ ነጋዶ ምህላዎም እዩ ድሕሪ ምባል፤ እዚኦም ኣካላት ካብ ተግባሮም እንተዘይተዓቂቦም ሐዚ እውን እቲ ናህሪ ዕዳጋ ንመነባብሮ ማሕረሰብ ዝሃሲ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ኣብ መወዳእታ፤ ንዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ምድግጋፍ ባህሉ ብተግባር ንህዝቢ ትግራይ ከርኢ ይግባእ ክብሉ  ኣይተ ካልኣዩ ተላብዮም።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.