Fana: At a Speed of Life!

ንኣመጋግባ ኣትክልቲ ቀዳምነት ምሃብ ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኮሌስትሮልን ስብሕን ክንኪ ይገብር-ተመራመርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣመጋግባና ኣትክልቲ ቀዳምነት ምሃብ ንጥዕና ልቢ ፅቡቕ ምዃኑ ንኣርብዓ ዓመታት ኣብ ዝተኣከበ መረዳእታ ዝተገብረ ገምጋም ኣመልኪቱ።

ተመራመርቲ ደንማርክ ከም ዘመልክትዎ፥ ኣብ ኣትክልትን ኣሕምልትን ጥራይ ዝተመስረተ ስርዓት ኣመጋግባ ነቲ ንወቕዒ ልቢ ክውስኽ ዝገብር ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኮሌስትሮልን ስብሕን ክንኪ ይገብር።

ስጋን ፀባን እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎም ዝገልፁ ተመራመርቲ፥ ኩሎም ካብ ስጋ ነፃ ዝዀኑ ኣመጋግባታት ድማ ምሉእ ጥዕና ዝህቡ ከምዘይኾኑ ይጠቕሱ።

እቲ መፅናዕቲ፥ ነቲ ተመራመርቲ ንወለንተኛታት ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባኦም መምርሒ ብምሃብን ኣብ ጥዕና ልቢ ዘለዎ ፅልዋ ብምክትታልን ካብ 1982 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንዘካየድዎም 30 ፈተነታት ብምጥርናፍ እዩ ገምጊሙ።

ካብ መላእ ዓለም ብድምር ኣስታት 2 ሺሕን 400 ሰባት ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ልዑል መጠን ዘይጥዑይ ኮሌስትሮል፥ ኣብ ሰራውር ደም ስብሒ ንኽእከብ መንቀሊ ዝኸውን ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ወቕዒ ልቢ ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ ኤውሮፓ ዝተሓትመ ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣሕምልትን ኣትክልትን ጥራይ ምምጋብ፥

  • ዘይጥዑይ ኮሌስትሮል ብ10 ሚእታዊት ይንኪ
  • ጠቕላላ ኮሌስትሮል ብ7 ሚእታዊት የጕድል
  • ‘ኣፖሊፖፕሮቲን ቢ’ ንዝተበሃለ ኣብ ‘ሕማቕ’ ኮለስትሮል ዝርከብ ቀንዲ ፕሮቲን ብ14 ሚእታዊት የጥፍኦ።

ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደት ፕሮፌሰር ሩት ፍሪከ-ሽሚት፥ ከምዚ ዓይነት ኣመጋግባ ን15 ዓመታት ምዕቃብ ንሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን (ካርዲዮቫስኩላር ዲዚዝ) ብ20 ሚእታዊት ክቕንሶ ከምዝኽእል ትሕብር።

ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣብ ዓመት ኣስታት 18 ሚልየን ሰባት ምስ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን (ካርዲዮቫስኩላር ዲዚዝ) ብዝተሓሓዝ ንሞት ከምዝቃልዑ ይግምት።

ዋላ’ኳ ዝያዳ ኣብ ኣሕምልቲ ዝተመርኮሰ ኣመጋግባ ምዝውታር ጥዕናዊ ረብሓታት እንተሃለዎ፡ ነዚ ዓይነት ኣመጋግባ ዝኽተል ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ብሰንኪ ንሕማም ልቢ ዘለዎ ተቓላዕነት ዝተኣዘዘሉ መድሓኒታት ምውሳድ ከቋርፅ ከምዘይብሉ እታ ዶክተር ተጠንቅቕ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.