Fana: At a Speed of Life!

ንኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ኤጀንሲታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ብሄራዊ ኢኮኖሚ መብርሂ ተዋሂቡ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ኤጀንሲታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሄራዊ ኢኮኖሚ መብርሂ ተዋሂቡ ይህብ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንብሄራዊ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ፈተንቲ ዝነበሩን ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሑን ማሕለኻታት ኣልዒሎም።

ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናትን ከምኡ እውን ክስተታት ድርቂ ዘስዐቦ ፀገምን ዘዘኻኸሩ እቶም ሚኒትር፥ ኣብቶም ኣፀገምቲ ኩነታታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ፅቡቕ ዝበሃል ውፅኢት ከምዘርኣየ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዘፈር ወፃኢ ንግዲን ስርዓት ንግዲን ዕቤት ምምዝጋቡ እውን ተዛሪቦም።

መሓዙት ኣካላት ነዚ ፅኑዕን ዘላቒን ጉዕዞ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኽድግፉ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ብግደአን፥ ጥቕሉል ማክሮ ኢኮኖሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዓወታትን ፀገማትን ዝምልከት መዛተዪ ፅሑፍ ነቶም ኣማሳደራት ኣቕሪበን።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ትፅናሕ እምበር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ እቲ ዓውዲ ኣፈፃፅማ ዕቤት ምርኣዩ ዘመላኽት ከምዝኾነ ፀሪሐን።

ነቶም ኣምባሳደራት እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ መብርሂ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ፥ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴን ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝን ተሳቲፎም።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.