Fana: At a Speed of Life!

ንእታዎት ኢንድስትሪ ዝኾኑ መዓድናት ብዓቕሚ ሃገር  ንምሽፋን ይስርሕ ምህላዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኢንድስትሪ እታዎት  ዝኾኑ መዓድናት ብዓቕሚ ሃገር  ንምሽፋን ይሰርሕ ምህላዉ ሚኒስቴር መዓድንን ኢነርጂን ኢትዮጲያ  ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ  ሚኒስቴር  ንግድን ኢንዱስትሪን ብምዃን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ክልቲኦም ሚኒስቴራት ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝሰርሕዎም ዓውዲታት  ልዝብ ዝገበሩ እንትኾን፥  ስትራቴጂካዊ ትልሚ ምትእስሳር መዓድንን ኢንዱስትሪን ብዝምልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብምቕራብ ምይይጥ  ተገይሩ።

እቲ ፅንዓት ከምዘርድእ እንተኮይኑ ኢትዮጵያ ንእታዎት ሓፂነ መፂን 850 ሚሊዮን ዶላር፤ ንእታዎት ኬሚካልን ኮንስትራክሽን  ድማ  950 ሚሊዮን ዶላር በቢዓመቱ ወፃኢ ትገብር ኢያ።

ስለዝኾነ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታዎታት ብ ዉሽጢ ዓዲ ብምትካእን ምህርቲ ንወፃኢ ብምልኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ሚንስቴር መዓድንን ኢነርጂን ኣብ ዝቅፅል ዓመት ማርብል ግራናይትን ፍሪያታት ብርጭቆን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ሚኢቲ ብሚኢቲ ንምትካእ ተሊሙ እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.