Fana: At a Speed of Life!

ንኹሉ ዜጋ እትምቹ ሃገር ንሃንፅ ኣለና – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስታት 9 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ፖርክ ኢንዱስትሪ ዝተዋደደ ግብርና ቡልቡላ ተመሪቑ።

እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ንኹሉ ዜጋ እትምቹ ሃገር ንሃንፅ ኣለና ኢሎም።

ንሕና በዕቱብ ንስራሕ፣ ፀላእትና ፅባሕ ተንበርኪኾንም ይቕሬታ ክሓቱ ኢዮም ኢሎም።

ሕርሻ እንተዘይዘሚኑን እንተዘይተቐይሩን ህይወት ሓረስቶትን ኢትዮጵያን ኣይቕየርን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምቕያር ብትኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ብዕቱብ ብምስራሕ፣ ብሕውነትን ሰላምን ንኹሉ ምሕቛፍ እትኽእል ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና እውን ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ተጎዲኡ ዝነበረ ህንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ ብልዑል ክትትልን ደገፍን ንምረቓ ምብቅዑ ገሊፆም።

እዚ ድማ ንማሕበረሰብ እቲ ከባብን መላእ ሃገርን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

እብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ፥ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣይተ ርስቱ ይርዳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ዝተዋደደ ፖርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ ክሳብ 200 ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ዘተኣናግድ ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ ፓርክ ሰለስተ ዓማውቲ ዝወደአ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ 70 ክሳብ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ ፓርክ ዝኸውን እታዎት ዘቕርቡ ማእከላት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይለምዑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ናብቲ ፓርክ ንዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲ መንበሪ ኣባይቲ ሓዊሱ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓታት ተማሊኡሎም።

እቲ ፓርክ ብድምሩ ኣብ 271 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.