Fana: At a Speed of Life!

ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ንምግባር ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሮ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማይንድ ኢትዮጵያ ዝተባህለ እኩብ ሸውዓተ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ንምግባር ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣባል ማይንድ ኢትዮጵያን ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይተ ግርማ በቀለ፥ እቲ መድረኽ ዘተ ጋህዲ ንኽኸውን 38 ፓርቲታት ፖለቲካ ምዝታዮም ገሊፆም፡፡

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ መዳርግቲ ኣካላት ናብ ምርድዳእ ንኽመፅኡን ንሓደ ዕላማ ክሰርሑን ምግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ሃገራዊ ዘተ፥ ዛዕባታት ዘተ፣ ኣዛተይቲ፣ መፅናዕታዊ ፅፋትን ኣቕረብቲን ናይ ምፍላይ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ሓላፊ ዴስቲኒ ኢትዮጵያ ኣይተ ንጉሱ ኣክሊሉ ብግደኦም፥ በቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኩሎምፓርቲታት ፖለቲካ ሃገራዊ ምርድዳእ ንኽህሉ ዝደልዩ ስለዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ ዘተ ንምግባር ምድላው ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.