Fana: At a Speed of Life!

ንዋህዮታት መንሽሮ ዝቐትል ቫይረስ ምርካቡ ተስፋ ዝህብ’ዩ -ተመራመርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንጎዳእቲ ዋህዮታት ብቫይረስ ከምዝልከፉን ከምዝቕተሉን ብምግባር ዝተኻየደ ፈተነታት ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና መንሽሮ (ካንሰር) ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ብሪታንያውያን ተመራመርቲ ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ሕሙም እቲ መንሽሮ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ እንከሎ፥ ኣብ ካልኦት ድማ ዝነበሮም ጥረታት ክጎድል ተራእዩ።

እቲ መድሓኒት፥ ዝተዳኸመ ቁስሊ ገፅን ከናፍርን (‘ኮልድ ሶር) ዘስዕብ “ሃርፐስ-ሲምፕለክስ” ዝተባህለ ኮይኑ ነቶም ጥረታት መንሽሮ ንክቐትል ዝተመሓየሸ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ሕክምና ዝያዳ መፅናዕቲ ዘድሊ እኳ እንተኾነ፥ ተመራመርቲ ግን ንሕሙማት መንሽሮ ዝያዳ ህይወት ንምሃብ ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረቡ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፉ ወዲ 39 ዓመት ክሪስቶፍ ዎጂኮቭስኪ፥  ኣብ ሮያል ማርስደን ኤንኤችኤስ ፋውንዴሽን ትራስት፡ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርምር መንሽሮ፡ ወለንተኛ እቲ መፅናዕቲ እዩ።

ንሱ፥ ኣብ 2017 እዩ መንሽሮ ፅኪ ምራቕ ከምዘለዎ ተረጋጊፁ።

መጥባሕቲ እኳ እንተተገብረሉ ግን ኣይሓወየን።

“ናይ ምንባር ተስፋ የብልካን ተባሂለ። ኣብ መወዳእታ ዕድመ ክንክን ዘናውሕ ይረክብ ነይረ። ብጣዕሚ ልቢ ዝሰብር እዩ። ሐዚ ግን ኣብ ትስፉው መፅናዕቲ ብምስታፈይ ተስፋ ገይረ ኣለኹ” ኢሉ።

ንዋህዮታት መንሽሮ ዝቐትል ቫይረስ ምስ ተውሃቦ መንሽሮ ክሪስቶፍ ጠፊኡ ኣሎ።

ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን መርፍእ ይውሃብ ነይሩ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ መንሽሮ ዝፈጥሩ ዋህዮታት ዒላማ ብምግባር እዩ ዝሰርሕ።

እዚ ድማ ስርዓተ ምክልኻልኡ ንኽምዕብል ሓጊዝዎ።

ኣብቲ ፈተነ መፅናዕቲ፡ 40 ሰባት RP2 ዝተባህለ ቫይረስ ተዋጊኦም እዮም።

ካብዚኦም፥ ቮሎማብ ዝበሃል መድሓኒት መንሽሮ ዝተዋህቦም ይርከብዎም።

ክሪስቶፍ ሓዊሱ ካብቶም RP2 ዝወሰዱ ትሽዓተ ሕሙማት እቶም ሰለስተ ኣብ ኣካላቶም ዘነበረ መንሽሮ ጠፊኡ።

ካብቶም ምስ ኒቮሉማብ ዝበሃል መድሃኒት ዝወስዱ ተደሚሩ፡ RP2 ካብ ዝተወግኡ 30 ሰባት፡ ኣብቶም 7 ዝነበረ ቫይረስ ዳርጋ ጠፊኡ ።

ከም ድኻም ዝኣመሰሉ፡ ድሩታት ጎናዊ ሳዕቤናት ነይሮም።

መሪሕ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ኬቪን ሃሪንግተን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ዝነኣድ ምዃኑ ገሊፁ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ መንሽሮ ንዝርከቡ ሕሙማት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ተመራማሪ፡ እቲ መድሓኒት፡ መንሽሮ ዓይንን መንሽሮ መዓንጣን ንምፍዋስ ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዝኽእል’ውን ገሊጹ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.