Fana: At a Speed of Life!

ንዝተገበረልና ኩሉ ንፈጣሪ ብምምስጋን ምፍልላይን ፅልኢን ተኣልዩ ሰላምን ሓድነትን ንክሰፍን ንክስራሕ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፀዊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝተገበረልና ኩሉ ንፈጣሪ ብምምስጋን ምፍልላይን ፅልኢን ተኣልዩ ሰላምን ሓድነትን ንክሰፍን ንክስራሕ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፀዊዓ።

ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ “ኢትዮጵያ ተመስግን” ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣሳሊጣ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትሪያርከው ቅድስት ማርያም ኢዩ ተሳሊጡ።

ኣብ እዋን እቲ መርሃ ግብሪ ንሰላም ሃገርን ሓድነት ህዝብን፣ ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ንዝሓመሙ ምሕረት ንክኸውን ፀሎት ተገይሩ።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፤ ኣብ መላእ እታ ሃገር መርሃ ግብሪ ፀሎትን ምስጋናን ንኽካየድ ፃውዒት ምግባሩ ስዒቡ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣብ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ቤተክህነትን ሊቀጳጳስ ሃገረስብከት ባህርዳርን ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም÷ ንፈጣሪ ምምስጋን ዕለታዊ ተግባር ምዃኑ ፀሪሖም።

እታ ቤተክርስትያን ሎሚ መዓልቲ ድማ ብመሪሕነት ኣቦታት ሃይማኖት ነቲ ዝቐረበ ፃውዒት ተቐቢላ ብፍሉይ መልክዑ መርሃ ግብሪ ምስጋና ምፍፃማ ተዛሪቦም።

“ንዝተገበረልና ኩሉ ንፈጣሪ ብምምስጋን ምፍልላይን ጽልኢን ተኣልዩ ሰላምን ሓድነትን ንክሰፍን ምጽላይ ይግባእ” ክብሉ እውን መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ንጽጉማን ብምሕጋዝን፣ ነኒሓድሕድካ በምትሕግጋዝ፣ ነቲ ወለዶ ኣመስጋኒ ንክኸውን ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.