Fana: At a Speed of Life!

“ንግስተ ነገስት ዘኢትዮጵያ” ብዝብል መፀውዒ ንባዕላ ዝሰየመት እህተ ማርያም ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓለት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)“ንግስተ ነገስት ዘኢትዮጵያ” ብዝብል መፀውዒ ንባዕላ ዝሰየመት እህተ ማርያም ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውልቀ ሰብ ትማሊ ምሸት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እታ ውልቀ ሰብ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብዝፃረር መገዲ ብስም እምነት ክሳብ 100 ዝኾኑ ሰባት ኣኪባ ብምርካባ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓለት ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ካብ ኣርባዕተ ሰብ ንላዕሊ ኣብ ሓደ ቦታ ምእካብ ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከምዘጋልፅ ምድንጋጉ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እህተ ማርያም ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውልቀ ሰብ ህይወት ሰባት ንሓደጋ ብዘቃልዕ መገዲ ኣኪባ ምርካባ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ንክትውዕል ካብ ዘኽኣሉ ገበናት ብቐዳምነት ዝፅራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ በቲ ዝተጠቐሰን ካልኦት ገበናትን ምርመራ ከምዝግበረላ ጉጅለ ምርመራ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.