Fana: At a Speed of Life!

ንግዲ ወፃኢ ብምጥንኻር ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ምሕያል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንግዲ ወፃኢ ብምጥንኻር ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ምሕያል ከምዝግባእ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ፌዴሪኢ ገለፁ።

ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ዙርያ ማሕለኻታት ንግዲ ወፃኢን መፍትሒኦምን ኣድሂቡ ምስ ኣፍረይቲ፣ ለኣኽቲን ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣካላት ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረ እግዚአብሄር፥ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዝድለ ብርኪ እናዓበየ ከምዘይኮነ ገሊፀን።

ብምጥንኻር ንግዲ ወፃኢ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ምምዓባል ከምዝግባእ እውነ ኣተሓሳሲበን።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ፣ ክፍሊት ግልጋሎት ወደብ ጅቡቲ ልዑል ምዃን፣ ሕፅረት ፋይናንስ፣ ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ፀገማትን ንዕቤት እቲ ዓውዲ ማሕለኻታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ንኢንዱስትሪ ዝሐሸ ጠመተ ብመሃብ፣ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብምስሓብን መፍረይቲ ኣብ ንግዲ ወፃኢ ንኽሳተፉ ሓገዝ ብምግባርን ትኹረት ጌይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.