Fana: At a Speed of Life!

ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተገበረ ሽይጣት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 66 ነጥብ 4 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመተ 2012 ንጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ጅቡቲን ካብ ዝተገበረ ሽይጣት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 66 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተኣከበ ኣታዊ እቲ 37 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ካብ ጅቡቲ፣ 29 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ድማ ካብ ሱዳን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተረኸበ እቶት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዛይዳ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ግድባት ፍልፍል ማይ እኹል ማይ ምሓዞምን ምቁርራፅ ሓይሊ ምቕናሱን ነቲ ትልሚ ንክዕወት ሓገዝ ከምዝገበረ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንኬኒያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ እቶት ንምርካብን ዓሊሙ ዝርገሐ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክን ህንፀት ጣቢያ ኮንቨርተር ኤሌክትሪክ ኣብ ምዝዛም ከምዘሎ እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ምስ ሶማሌ ላንድ፣ ታንዛኒያን ደቡብ ሱዳንን ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍጣር ክልቲኣዊ ርክብ ኣብ ምግባር ከምዘሎ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.