Fana: At a Speed of Life!

ንጥዕናና ዝረብሕ እኹል መጠን መኣዛታት ንረክብ ምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል?

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መብዛሕቴና መዓልታዊ ተመሳሳሊ መግቢ ኢና ንበልዕ።

ኣብ ህይወትና ዝለመድናዮ ውሱን ዓይነታት መግቢ ስለዘለና ምርጫና ድሩት እዩ።

እቲ እንዕድጎ መግቢ ዋግኡ ኣብ ዕዳጋ ብቐረባ ዝርከብ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ንጥዕናና ብዝህልዎ ረብሓ እውን እናመዘንና ኢና እንምገብ ዘሎና።

ንሓፈሻዊ ኩነታት ኣመጋግባና ኣብ ግምት አእቲና እኹል መጠን መኣዛታት ንረክብ ምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል?

ተመራመርቲ ስነ መግብን ጥዕናን፥ እኹል መኣዛታት መእታን ክንረክብ ከም ፍራምረን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ዝኑቕ መግቢ ክንምገብ እዮም ዝመኽሩ።

ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ንጥዕና ዘይጎድኡ ከም ፍረታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ’ውን ንጥዕና ዘይጎድኡ ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ “ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል” ዝበሃል ዓይነት ዘይቲ እዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-መኣዛ ፋራንሴስኮ ሶፊ፥ መግብታት ዝተፈላለዩ ሕብርታት ምህላዎም ናይ ኣጋጣሚ ከምዘይኮነ ይዛረብ።

“ልማዳዊ ዝኾኑ ዓይነት መግብታት ምምጋብ ነቶም ዝተፈላለዩ መኣዛታትን ካልኦት ንጥዕና ዝሕልዉ ተወሰኽቲ ነገራትን ከም ምውሳድ ማለት’ዩ” ይብል።

እቶም መግቢ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ  ብዝብል ዝፍለጡ ከም ፍረምረታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ’ውን ንጥዕና ዘይጉድኡ ስብሕታት ዝሓዙ ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል መግብታት ጠቐምቲ ዝኾኑሉ ካልእ ተወሰኽቲ ምኽንያታት አለዉ።

እቶም ኣብዚ ዝምደቡ መግብታት ዝጥበሱ ዘይኮኑስ ብማይ ዝበስሉ ምዃኖምን ንትሕዝቶኦም ምዕቃብ ዝከኣል ምዃኑ’እቲ ፕሮፌሰር ብኣብነት ይጠቅስ።

ኣብ ፓርትላንድ ኦሬጎን ዩኒቨርሲቲ ዌስተርን ስቴትስ ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና ሚኒች፥ ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ነቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ መኣዛታት ክንረክብ ከምዝሕግዘና ትሕብር።

“ነቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ክንምገብ እንተዘይኪኢልና ንረብሓታት እቲ መግቢ ኢና ንስእን” ትብል።

ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም ኣትክልቲ ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ሒዞም ከምዝፍጠሩ እትገልፅ እታ ተመራማሪት፥ ንኣብነት ከም ብሉቤሪ ዝበሉ ሰማያዊን ወይናይን ሕብሪ ዘለዎም መግብታት ንሕማም ልብን ሕማም ሽኮር (ታይፕ-ቱ) ንምክልኻል ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎም ተረድእ።

ብተመሳሳሊ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎም ፍራምረን ኣሕምልትን እውን ሕማማት ልቢ ናይ ምንካይ ተኽእሎ ኣለዎም ትብል።

ካብ ውሽጢ ተኽልታት ዝርከቡ ገለ ክፋላት ናብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ አካላት ወዲ ሰብ ከምዝበጽሑ እትሕብር ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና፥ ንኣብነት ኣብ ቢጫን ሓምለዋይን ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ዝርከብ “ሉቲን” ዝበሃል ንጥረ ነገር ናብቲ “ማኩላር” ብዝብል ዝፍለጥን ንፁር ምስሊ ንምርኣይ ዝሕግዝን ዳሕረዋይ ክፋል ረቲና ዓይኒ ይበፅሕሞ ከምዘይኣርግ ይገብሮ ብምባል ተረድእ።

“ፍሎቭኖይድስ” ብዝብል ዝፍለጡ ካብ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝርከቡ ውሁድ መኣዛታት ከኣ አብ ውሽጢ ሓንጎል ንዝፍጠርን ናብ ሕማም ረሲዕ [ኣልዛይመር] ዘቃልዕን ምምራዝ ብምክልኻል ጥዕና ሓንጎል ከምዝሕሎ ይገብር።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ንኣመጋግባ 50 ሽሕ ሰባት መሰረት ኣብ ዝገበረ መፅናዕቲ ሃርቫርድ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝተሳተፈት ተመራማሪት ሺን ዬህ፥ ከም ኣራንሺ፣ በርበረ፣ ሰደኖን ወይኒን ዝኣመሰሉ መግብታት ምምጋብ ንዓቕሚ ምስትውዓልና ይዕቅብ ሕማም አእምሮ ዕብደት ወይ ፅላለ ንከየጋጥመና ከምዝከላኸል ትዛረብ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.