Fana: At a Speed of Life!

ንፓርቲታት ፖለቲካ ዝኸውን ድልድል ኣየር ሰዓት መራኸብቲ ሓፋሽ ንምውፃእ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ፕሮግራሞምን ዕላመኦምን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ንህዝቢ ዘፋልጡሉ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ድልድል ኣየር ሰዓት ንምውፃእ ምድላዉ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ እዋን ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ጎስጓስ መረፃ ፖሊቲካ ፓርቲታት ኣብ ፈነወ ኣየር ሰዓቶምን ሕትመት ገፆምን ከውዕሉ ኢዮም።

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ እቲ ሓፈሻዊ መረፃ፥ ንፓርቲታት ፖለቲካ ብሶፍትዌር ጥራሕ ዝተሓገዘ ድልድል ኣየር ሰዓት ንምግባር ከምዝተዳለወ ኢዩ እቲ በዓል መዚ ዝገለፀ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታቸው ድንቁ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ድልድል ኣየር ሰዓት ንምክያድ ቦርድ መረፃ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛትዩ ንዘቕርቦ ስልሒት እናተፀበየ ይርከብ።

እቲ ስልሒት በቢእዋኑ ከምዝቀያየርን ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘተ ቦርድ መረፃ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ ስልሒት ድልድል ኣየር ሰዓት ንበዓል መዚ ብሮድካስት ከምዘፍልጥን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ እቲ በዓል መዚ ዝተውሃቦ ስልሒት ናብቲ ዝተሰናድአ ሶፍትዌር ብምእታው ድልድል ኣየር ሰዓት ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

ምስ ኣካቢት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድመ ምድላው ኣድሂቦም ምዝታዮም ዝገለፁ ዶክተር ጌታቸው፥ ክልቲኦም ትካላት ብሓባር ኣብዝሰርሑሎም ጉዳያት ዝመክር ጉጅለ ኮሚቴ ሰብ ሞያታት ምጥያሹ እውን ኣብሪሆም።

በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣብ ፀብፃብ መረፃ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታትን ንሓለፍቲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽን እናሃበ ከምዝርከብ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ዶክተር ግታቸው፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ስነ-ምግባሮም ዝሓለዉ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ፍሉይ ጠመተ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.