Fana: At a Speed of Life!

ን32 ዓማውቲ ንብሕቶም ኣብ ደሴት መኒኖም ዝነበሩ ሽማግለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንልዕሊ ሰለሳ ዓመታት ኣብ ሓንቲ ናይ ጣልያን ደሴት ንበይኖም ዝነብሩ ዝነበሩ ሽማግለ ካብታ ደሴት ተባሪሮም።

ወዲ 81 ዓመት ማውሮ ሞራንዲ ብ1989 እዮም ቡዴሊ ናብ እትበሃል ደሴት ኣምሪሖም።

ኣብኡ ድማ ንኣስታት 32 ዓመታት ንበይኖም ኣብታ ደሴት ይነብሩ ነበሩ።

ቡዴሊ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን እትርከብ ኮይና፡ ሰብ ካብ ዘይነብረለን ጽቡቓት ደሴታት ሓንቲ እያ።

ማውሮ ኣብዛ ደሴት ዝነበሩ ብሕታዊ ሰብ እዮም። ካልእ ዝተረፈ ብሙሉኡ፡ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ሰብ ዋና እታ ደሴት ውፅኡልና ምስ በልዎም ደንፅዩም ቀንዩ።

ግናኸ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ካብታ ን32 ዓመታት ንብሕቶም ዝነበሩላ ደሴት ለቒቆም ክወጽኡ ጥራሕ እዩ ነይርዎም።

“ጸገም የለን፤ ክወጽእ እየ። እቶም ሓደሽቲ ሰፈርቲ ደሴት ቡዴሊ ግን ከምታ ን32 ዓመታት ዝሓብሐብክዋ ከም ዝከናኸንዋ፡ ቃል ይእተውለይ” ኢሎም።

እቶም ሽማግለ፡ ምስ ሰብ ተፈላልዮም እዚ ኩሉ ዓመታት ክነብሩ እንከለው፡ መብራህቲ ዝረኽቡ ካብ ሶላር [ካብ ጸሓይ ብርሃን ዝርከብ ሓይሊ] እዩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ካብ 30 ክሳብ 40 መጻሕፍቲ የንብቡ ነይሮም።

“ብኸመይ ነበይንኻ ብዘይ ዓርኪ ትነብር ኢሎም ዝሓቱኒ ኣለዉ። ብዙሓት መሓዙት ነይሮምኒ ንሳቶም ድማ፡ መጻሕፍቲ እዮም” ክብሉ ኣብ ዙርያ ህይወቶም ኣትኲሩ ኣብ ዝተሰርሓ ሰነዳዊ ፊልሚ ተዛሪቦም።

“እቶም ኣዕሩኽተይ ድማ ክሒዶምኒ ኣይፈልጡን” ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.