Fana: At a Speed of Life!

ኢራናውያን ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ ምውዳቓ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራናውያን ኣውሮፕላን ዩክሬን ብጦር ሰራት ኢራን ተወቒዓ ምውዳቓ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ጦር ሰራዊት እታ ሃገር፥ ልዕሊ 170 ተጉዓዝቲ ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ብስሕተት ብምውቅዑ ንኽትሕምሸሽ ምኽንያት ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝኣመነ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ኢዩ ድማ ኢራናውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ተቓውሞ እናስምዑ ዝርከቡ።

እቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ዜጋታት፥ መንግስቲ ኢራን ፀላኢትኩም ኣሜሪካ ኢያ እናበለ የዕሽወና ኣሎ፤ ፀላኢና ግን ባዕሉ ኢዩ ክብሉ ተሰሚዖም።

እቶም ተቓወምቲ ኣብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ልዑል ቁጠዐ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ውድቀት ንኣምባገነን ምሕደራ ዝብሉን ፀረ ምንግስቲ ጭርሖታትን ከምዝስምዑ እውን ተገሊፁ።

ፖሊስ መንብኢ ትኪ ብምጥቃም ነቶም ተቓወምቲ ንምብታን ከምዝፈተነ ተሓቢሩ።

170 ተጓዓዝቲን 6 ሰራሕተኛታት እታ ኣውሮፕላንን ሒዛ ካብ ኢራን ናብ ዩክሬን እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ዩክሬን፥ ጉዕዞ ምሰጀመረት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ጥቓ ከተማ ቴህራን ምሕምሻሻ ይዝከር።

ኣብታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ ኩሎም ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ እውን ይፍለጥ።

ፍልፍል፡- ሚዲል ኢስት ሞኒተር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.