Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ነዳዲ ኣብ እተመላልስ መርከብ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት እስራኤል ከሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ነዳዲ ኣብ እተመላልስ መርከብ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት እስራኤል ከሲሳ።

ብሰንኪ እቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ድማ ክልተ ኢንግሊዝያውያንን ሓደ ሮማንያውን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ኣብ ለንደን ብዝመደበሩ ዞድያክ ማሪታይም እትምራሕ እታ መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን እንዳተንቀሳቐሰት እንከላ ኢዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝተፈፀማ።

በዓል ዋና ናይቲ ትካል እስራኤላዊ ኦይል ኦፈር ተባሂሉ ዝፅዋዕ ትካል መርከብ ኢዩ።

እቲ ኣብታ መርከብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ይምርምሮ ከምዘሎ’ኳ ኣፍሊጡ እንተነበረ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ግን እቲ መጥቃዕቲ ኢራን’ያ ፈፂማቶ ክብል ከሲሱ’ሎ።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.