Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ዙልጃናህ ዝተብሃለ ሮኬት ጠፈር ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኢራን ዙልጃናህ ዝተብሃለ ሳትላይት ዝሽከም ሮኬት ጠፈር ምውንጫፋ ሚዲያ እታ ሃገር ፀብፂቡ።

ቴህራን እታ ሮኬት ዘወንጨፈታ ብሄራዊ ናይ ጠፈር ፕሮግራማ ንምስህሕፋሕ ብምዕላም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ኣሜሪካ ቴህራን ዘወንጨፈታ ሮኬት ንዕላማ ምርምር ጠፈር ትውዕል ዘይኮነትስ፤ እታ ሃገር ናይ ነወዊሕ ርሕቐት ኒውክሌር መጥቃዕቲ ንምድንፋዕ ዘኽእላ ወታደራዊ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካል ፕሮግራም ምርምር ከምዝኾነ ገሊፃ፡፡

እቲ በዓል ሰለስተ ደረጃ ሳትላይት ተሸካሚ ሮኬት ዙልጃናህ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እንትኸውን፥ ደረቕን ፈሳሲን ነዳዲ ዝጥቀም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

25 ነጥቢ 5 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ እታ ሮኬት 220 ኪሎ ግራም ነፀላ ሳትላይት ወይ እውን ብዙሕ ኣናእሽቲ ሳትላይታት ናብ ምህዋር ንምጉዕዓዝ ዝተሓንፀፀት ከምዝኾነት ፕሬስ ቲቪ ፀሪሑ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.