Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ምልክት ግዘፍ ኦሮሞ ዝረኣየሉ መድረኽ ሰላምን ሕውነትን ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ አብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ምልክት ግዘፍ ኦሮሞ ዝረኣየሉ መድረኽ ሰላምን ሕውነትን ኢዩ ክብሉ ኣይተ ሽመልስ አብዲሳ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ባዓል ኢሬቻ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ባህሊ መግለፂ መንነት፣ ኢኮኖሚያዊን ስርዓት ምሕደራን ከምኡ እውን ስርዓት ኣመጋግባን ኣከዳድናን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሰሳኺ ስርዓት ሓዘንን ሓጎስን ከምኡ እውን ስርዓት ኣምልኾ ዘመልክት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዕቤት ባህሊ ምስ ማሕበራዊ ለውጢ ዝመጋገብ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዕቤት ባህሊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ንወለዶ ንኽገር ዝገብር ጥንኩር ስርዓት ዝዘርገሐ ህዝቢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ምስ ፈጣሪ ዘሎ ምቅርራብ ስርዓት ዘለዎን ናይ ባዕሉ ኣቆፃፅራ ዘበንን ክትንቢ ዝኸኣለ፣ ዘበናዊ ምምሕዳር ንዓለም ዘበርከተ ዓብዪ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢሬቻ ባህሊ፣ ታሪኽን ፈጣሪ ዝምስገነሉን ዓብዪ፣ ንኡሽተይ፣ ሽማግለ፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እንተይበለ ብሓድነት ናብ ሩባን እምባን ወፂኡ ዕርቂ፣ ይቕሬታ፣ ሰናይ ትምኒትን ዓወትን፣ ሳምን ምዕባለን ከምኡአ ውን ሓድነት ዝብሰረሉ ዓብዪ በዓል ኦሮሞ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢሬቻ ምልክት ግዘፍ ኦሮሞ ዘርኢ፣ ምልክት ሓድነትን ሕውነትን ብሄር ብሄረሰባት ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ተቐቢሩ ይፅናሕ እምበር ብዝተገበረ ተገድሎ ዝተሓብአ ባህሊ ወፂኡ ዝተረሰዐ ታሪኽ ተመሊሱ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ንልዕሊ 150 ዓማውቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ክልል ኦሮሚያ ምስ ህዝቡ ብዝሰርሖ ስራሕ ክምለስ ከምዝኸኣለ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.