Fana: At a Speed of Life!

ኢታማጁር ሹም ጀኔራል ኣደም መሓመድ ምስ ስዑድ ዓረብ መዘነኦም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢታማጁር ሹም ፌዴሪኢ ጀኔራል ኣደም መሓመድ ምስ ስዑድ ዓረብ መዘነኦም ጀኔራል ፋያድ ኣል ሩዋይሊ ተዛትዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዓውዲ ምክልኻል ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛትዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ድሕንነትን ወታደራዊ ዓውዲታትን ዘለወን ርክብ ናይ ሓባር ረብሓ ብዝሓለወ መልክዑ ብዝበለፀ ምምዕባል ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ምዝታዮም እውን ተገሊፁ።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝተኻየደ እቲ ዘተ፥ ካብ ክልቲአአን ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓታት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ጀኔራል ኣደም መሓመድ፥ ምስ ሓጋዚ ተቖፃፃሪ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ስዑድ ዓረብ ጀኔራል ኣሕመድ ቢን ኣሊ ኣል-ባየዝ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛትዮም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.