Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሞሮኮን ኣብ ዓውዲ ወደብ፣ ተርሚናልን ሎጂስቲክስን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሞሮኮን ኣብ ዓውዲ ወደብ፣ ተርሚናልን ሎጂስቲክስን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ስምምዕነት ምትሕብባር ከቲሞም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ብማሞ ምህረቱ ዝተመርሐን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ባሕሪን ሎጀስቲክስን ኢትዮጵያ ሮባ መገርሳንን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ዘካተተ ልኡኽ ኣብ መረኮ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ዑደት ምስ ሓላፊ ሞሮኮ ወደብ፣ ትካል ተርሚናልን ሎጅስቲክስን  መህዲ ታዚ ሪፊ፤ ኣብ ደረቕ ወደብ ልምዓትን ኣገልግሎትን ከምኡ ውን  ዓውዲ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያን ንምዕባይ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝካኣለሎም ጉዳያት መኺሮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ምሰ መዳርግቲ ትካል ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ናይ መረዳድኢ ሰነድ ተፋራሪሞም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ትካል ኣገልግሎት ባሕርን ሎጀጂስቲክስን ዝርከብ ናይ ቃሊቲ ደረቕ ወደብን ተርሚናልን ዝተማልአ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል መዕበይ ደረጃ ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል ምዃኑ ካብ ትካል ባሕርን ሎጀስቲክስ ትራንስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.