Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘጋጠሞም ፀገም ብሕውነታዊነትን ሰናይ ጉርብትናን ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለወን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘጋጠሞም ፀገም ብሕውነታዊነትን ሰናይ ጉርብትናን ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለወን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሱዳንን ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእቲ፥ ህዝቢታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣሕዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

“ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ፀገም ከምዘሎ ግልፂ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ክልቲአን ሃገራት ፀገማተን ንምፍታሕ ክፅዕራን ክተሓባበራን ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት ዝደልዩ መንግስታት ወይ እውን ካልኦት ወገናት ይሃልዉ እምበር እዞም ኣካላት ካብ ጎንፂ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዘትርፍዎ ነገር ከምዘይህሉ ገሊፆም።

ብድፍኢት ናይ ወፃኢ ድፍኢት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ውጥጥ ክህሉ ከምዘይግባእ ብምሕባር፤ ንባዕልና ክንቆፃፀርን ካብ ጎንፂ ክንቁጠብ ይግባእን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሞንጎና መንፈስ ፀላኢ ክህሉ ኣይግባእን” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቡይ ኣሕመድ፥ እኳደኣስ ብልምዓት ክተሓባራን ሓቢረን ክዓብያን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘላቕነት ብዘለዎ መንፈስ ሕውነታውነትን ሰናይ ጉርብትናን ዘጋጠሙወን ፀገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለወን ነኣምን ኢና” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.