Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ኤግዚም ኮሪያን ስምምዕነት ልቓሕ 93 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ኤግዚም ኮሪያ ስምምዕነት ልቓሕ 93 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪማ።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ኤግዚም ኮሪያ ሺን ዲኦግ ዮንግን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ልቓሕ ኣብ ክልተ ምዕራፋት ንዝትገበሩ ህንፀታት ቅልጡፍ ግልጋሎት ኣውቶብስ ኣዲስ ኣበባን ንመፈፀሚ ሓበሬታ ስርዓት ምሕደራ መሬትን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

63 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንመፈፀሚ ቀዳማይ ምዕራፍ ቅልጡፍ ግልጋሎት ትራንስፖርት ዝውዕል እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ኢዩ።

ንመፈፀሚ ኻልኣይ ምዕራፍ ድማ 30 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተሰለዐን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት ተግባራዊ ከምዝኸውንን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ምዕሩይ ሓበሬታ ስርዓት ምሕደራ መሬት ብምዕሳል ዝፍጠሩ ጎንፂታት ምፍታሕ፣ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ምዝማን ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕን ስርዓት ምሕደራ መሬት ንምዝማን ዝዓለመ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.