Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 100 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 100 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ኣብ ዓውዲ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ንዝተዋፈሩ መሃዝቲ ስራሕ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ሰነድ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ያስሚን ወሀብሬቢን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ኦስማን ዲዮን ክታሞም ኣንቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ሕፅረት ገንዘብ ንዘለዎም ትካላት ደኣንት ልቓሕ ዝረኽብሉ መገዲ ንምጥዕዓምን ለበዳ ኮቪድ ኣብ ልዕሊ ስራሕተን ጉድኣት ንዘብፀሐለን ደቂ ኣኒስቲዮ ዝውዕል ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም።

ትካላት ደኣንት ንዝመርሓ ደቂ ኣኒስቲዮ ስልጠና ንምሃብ ዘገልግል ከምዝኾነ አወነ ተገሊፁ።

ንመጀመሪያ ግዘ ኣገልግሎት ልቓሕ ንዝረኽቡ ተረባሕቲ፥ ብዘይካ ላዕለዋይ ትሕጃ ልቓሕ ምርካብ ዝኽእልሉ መገዲ ከምዝተጠዓዓመ ተገሊፁ።

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.