Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ንዕብየት ዓውዲ ግብርና ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 80 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ንዕብየት ዓውዲ ግብርና ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 80 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪሞም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኦስማን ዲዮን ክታሞም ኣንቢሮም።

ፈፃሚ ስራሕ ቦርድ ባንኪ ዓለም ብመሰረት 5 መስከረም 2013 ዓ.ም ዝሃቦ ውሳነ፥ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት እቲ 80 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ንክወሃብ ምግባሩ ተገሊፁ።

እቲ ደገፍ ገንዘብ ናብራ ሓረስቶት ዝተፈላለያ ክልላት ንምምሕያሽ ዓሊሙ እቶት ኣብ ዘሰስኑ፣ ተወሳኺ ኣታዊ ኣብ ዘርክቡን ሰንሰለት እቶት ሕርሻ ንክውስኽ ተሓሲቡ ተግባራዊ ይግበሩ ንዝነበሩ ፕሮጀክቲታት መፈፀሚ ዝውዕልን ኢዩ ተባሂሉ።

ከምኡ’ውን እቶት ሰበኽ ሳግም ንምምዕባልን ኩነታት ናብራ ንምምሕያሽን ዘኽእሉ ብሓፈሻ ድኽነት ንምቕናስ ዝካየዱ ዝተፈለላዩ ፕሮግራማት ልምዓት ብገንዘብን ቴክኒክን ንምድጋፍ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.