Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዳንስኬ ዴንማርክን ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕ 117 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ባንኪ ግሩፕ ዳንስኬ ዴንማርክን ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕ 117 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዓነት ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ጀልስፐር ፒተርሰን ምክትል ዳይሬክተር ኦላፍ ማርክ ሼትን ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ብዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ፌርማ ኢዮም ፈሪሞምዎ።

ካብ ሞንጎ እቲ ስምምዕነት፥ 94 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዩሮ ግሩፕ እቲ ባንኪ ብመልክዕ ሓገዝ ዝህቦ ኢዩ።

እቲ ስምምመዕነት ሓገዝን ልቓሕን ንፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ሓፋሻዊ ወፃኢ እቲ ፕሮጀክት ብር 5 ነጥቢ 6 ቢሊየን እንትኸውን፥ ብር 4 ነጥቢ 49 ቢሊየን ካብቲ ባንኪ ብዝርከብ ሓገዝን ልቓሕን ዝሽፈን ኢዩ።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስምምዕነት ሓደ ኣካል ዴንማርክ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ 100 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፈሰል ዓቕሚ ኣለዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.