Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ስምምዕነት ሓገዝ ብር 965 ሚሊየን ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ስምምዕነት ሓገዝ ብር 965 ሚሊየን ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ተወካሊ ትካል ዓለም ለኸ ልምዓት እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክርስቲያን ሮግን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝርከቡለን ከባቢታት ንዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብተን ከባቢታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን መዕቖቢን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መሰረተሰዊ ድሌታት ንምምላእ ዝሕግዙ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.