Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ኣብ ፍርያት ዕምበባ ብሓባር ንምስራሕ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ኣብ ፍርያት ዕምበባ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽሉወን ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን።

ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተሓጊዙ ዝተኻየደ እቲ ዘተ፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጃካርታ ምስ ማሕበር ኣዳላዊ ፍርያት ዕምበባ ኢንዶኖዢያ ከምዝተሰናድአን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ልምዓት እቲ ዓውዲን መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

ኣብቲ ዘተ ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኢንዶኖዢያ ፕሮፌሰር ኣድማሱ ፀጋየ፣ ዳይሬክተር ጀነራል ወፃኢ ንግዲን ቱሪዝምን ኣምባሳደር ረጋሳ ክፍሌ፣ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣመዓራራዪ ፍርያት ዕምበባ ኢንዶኖዢያ ሉሲያ ራራስን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሳቲፎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይቲን ለኣኽቲን ዕምበባ ኢትዮጵያ ቴዎድሮስ ዘውዴ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ብዛዕባ ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

ኩባኒያታት ክልቲአን ሃገራት እውን ልምዶም ኣቕሪቦም ኣብ ንግዲን ምትሕብባርን ሓቢሮም ክሰርሑ ኣብ ዝግብኡዎም ስራሕቲ ዘቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ካብተን ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 82 ኩባኒያታት ምስታፎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.