Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ርክብ ንግደን ክብ ንምባል ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ርክብ ንግደን ክብ ንምባል ተስማዕሚዐን።

ኣብ ኣልጀሪያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነብያት ጌታቸውን ሚኒስትር ንግዲ ኣልጀሪያ ካሚል ረዚግ  ርክብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ትማሊ ኣካይዶም።

ነዚ ንምግባር ማሕበረሰብ ንግዲ እተን ሃገራት ድሉዋት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2017 ስምምዕነት ንግዲ ዝኸተማ እንትኾና፥ ኣብ መነጎ ከልቲአን ሃገራት ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ግን በቢግኡ ተቐራሪብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ኢዩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ንግዲ ኣልጀሪያ ካሚል ረዚግ፥ ኣብ ኣፍሪካ ናፃ ቀጠና ንግዲ ተግባራዊ እንትኸውን ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ንግዲ ልዑል ተሳትፎ ክህልወን ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ልውውጥ ንግደን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽአል ካውንስል ንግዲ ኢትዮ ኣልጀሪያ ምጥያሽን ተግባራዊ ምግባርን ዘኽእል ምንቅስቓስ ምጅማር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.