Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 446 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣየርላንድን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 446 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወይዘሪት ያስሚን ዎሃብረቢንን ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮዮጵያ ኒኮላ በርናን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ፥ ንቫይረስ ኮሮና ጥንቃቐ ክበሃል ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

እቲ ደገፍ ስምምዕነት ብሓፈሻ 10 ሚሊየን ዩሮ (446 ሚሊየን ብር) አንትኸውን፥ ንመበል ሓምሻይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት መፈፀሚ ዝውዕል ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.