Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኳታርን ንማእኸል ሕክምና ኩላሊት ዝውዕል 18 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ሓገዝ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኳታርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝህነፅ ማእኸል ሕክምና ኩላሊት ዝውዕል 18 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ሓገዝ ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ዋና ዳይሬክተር ፈንድ ኳታር ካሊፋ ቢን ያሲም ኣል ኩዋሪ ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ዝህነፅ ማእኸል ሕክምና ኩላሊት በዓል ሽዱሽተ ደብሪ ህንፃ ዝህልዎ እንትኸውን፥ ኣብ 77 ዓራታት ግልጋሎት ክህብ ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት ናይቲ ማእኸል እንትዛዘም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፀገም ግልጋሎት ሕፅበት ኩላሊት ከቃልል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.