Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ልውውጥ ልምዲ ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ እወንታዊ ውፅኢት ኣተኣኻኽባ እቶት ልውውጥ ልምዲ ኣካይደን።

ብኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒቲያ ሞርጋን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣተገባብራ ካሽ ሬጂስተር ዘሎ ልምዲ ንምውሳድ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር እቶት ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ካብ ታንዛኒያ ልምዲ ብምውሳድ ቫት ተግባራዊ ከምዝገበረት ብምግላፅ፥ ደቡብ ሱዳን ካሽ ሬጂስተር ተግባራዊ ንምግባር ካብ ኢትዮጵያ እትወስዶ ተመክሮ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ማሽን ተግባራዊ እንትትገብር ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝወሰደቶ መፍትሒን ንደቡብ ሱዳን ልምዲ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ጀምስ ፒቲያ ሞርጋን፥ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ክልቲአን ሃገራት ሓቢረን ብምስራሕ ብርኪ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ኢዩኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.