Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፕ/ር ብርሃኑ ነጋ ምስ ሚኒስትር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ደቡብ ሱዳን ጋብርኤል ቻንግሰን ቻንግን ስምምዕነት ምትሕብባር ተፈራሪሞም።

ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ትህቦ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ንምድንፋዕ ዘኽእል ኢዩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝፀንሓ ምትሕብባር ዘፈር ትምህርቲን ምሕዝነትን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ደቡብ ሱዳን ጋብርኤል ቻንግሰን ቻንግን ብግደኦም÷ እቲ ሰነድ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.