Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ኢኮኖሚያዊ ርክበን ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤድዋርድ ዞለሳ ማካያ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምዎም።

ኣይተ ገዱ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ባዕዳዊ መግዛእቲን ስርዓት ኣፓርታይድን ንምጥፋእ ሓቢረን ዝተቓለሳ ናይ ነዊሕ ዘመን መሓዙት ሃገራት ኢየን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቃልሲ ፀረ ኣፓርታይድ ዘመዝገበኦ ፖለቲካ ዓወት ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ክደግመኦ ከምዝግባእ ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ንዘለዋ ርክብ ፍሉይ ጠመተ ከምትህብ ኣብሪሆም።

እተን ሃገራት፥ ኣብ ክልተኣዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ዝገብረኦ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከጎልብተኦ ከምዝግባእ አውን እቶም ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝነብሩ ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ምሕላው ብዝምልከት ተቐራሪብካን ተሓባቢርካን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

አምባሳደር ኤድዋርድ ዞለሳ ማካያ ብግደኦም፥ ፍሉጥ ተጋዳላይ ናፅነትን ነበር ፕሬዚዳንትን ደቡብ ኣፍሪካ ኔልሰን ማንዴላ ስርዓት ኣፓርታይድ ንምቅላስ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጠና ከምዝወሰዱ ብምዝኽኻር፤ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ግዘ ፈታዊት ኢያ ኢሎም።

ሃገሮም ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ዕዉት ርክብ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንኽድገም እናሰርሐት ምዃና እውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝህልዎም ፃንሒት ኣምባሳደርነት፥ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ እውን ኣምባሳደር ድዋርድ ኣብሆም።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ድሕንነት ዜጋታት ኢትዮጵያን ካለልኦት ሃገራትን ንምሕላው እናሰርሐ ከምዝኾነ ገለፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.