Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ 14 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ንማእኸል ልህቀት መካናይዜሽን ሕርሻ ዝውዕል ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ 14 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ከቲመን።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ክታም፥ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሬታ ሰዋሰውን ዳይሬክተር ጄነራል ኢኒስቲትዩት ልህቀት ቴክኖሎጂ ደቡብ ኮሪያ ቺዩን ፓርክን ፈሪሞምዎ፡፡

ዕላማ እቲ ሓገዝ ናብ ሃገር ዝኣትዉን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩን ፍርያታት ናብ ተገልጋላይ ቅድሚ ምብፀሖም ደረጃ ፅሬቶም ሓሊዮም ከምዝፈረዩ ዘረጋግፅ ማእኸል ብምህናፅ ብስእነት ፅሬትን ብቕዓትን ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ እናበፅሐ ዝርከብ ክሳራ ክተርፍ ምግባር ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

በቲ ፕሮጀክቱ ዝስርሑ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ምጥያሽ ማእኸል ስልጠና መካናይዜሽን ፍተሻን ምርምርን፣ ብብርኪ ክልላት ማእኸል ፅገናን ኦፕሬሽንን ምጥያሽ፣ ስልጠናታት ዓቕሚ ህንፀት ምሃብ፣ ምፍላጥን ተግባራት ሰሪሕኻ መርአዩ ምስላጥን፣ ሞደል ኦፕሬሽን እቲ ማእኸል ምስንዳእን ነቲ ፕሮጀክት ሓገዝ ንዝገብሩ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምግባርን  ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብማናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.