Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጀርመንን ሓገዝ ስምምዕነት 100 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ጀርመንን ሓገዝ ስምምዕነት 100 ሚሊየን ዩሮ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣወርን ፈሪሞምዎ።

ኢትዮጵያ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ንእትሰርሖም ስራሕቲ ዝውዕል ሓገዝ ተባሂሉ ዝተፈረመ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ንብሄራ ድልውነት ኣወሃህባ ምላሽ ቫይረስ ኮሮና መፈፂሚ ከምዝውዕል ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.