Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጃፓንን ምሕዝነተን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣድላዪ ፃዕሪ ንምግባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመረታ ሰዋሰው ምስ ኤምባሲ ጃፓንን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ጃፓንን ኣብ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።

እተን ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መደረአን ክሳብ ሕዚ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረባ እንትኾና፥ ኣብቲ ልዝብ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ዋና ተወካሊ እቲ እቲ ኤጀንሲ ሞሪሃራ ካትሱኪ ምስ ልኡኾምን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፀገም ድርቂን ጎንፂን ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕንወት ንብረትን ንምፍታሕ ካብ ጃፓን ብተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ኣብሪሀን።

ጉጅለ ልኡኽ ጃፓን ብግድኡ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምግባር ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ዝኸውን ረቂቕ ሰነድ ዘቕረበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ረቂቕ ሰነድ ሰለስተ ጉዳያት ቅድሚት ኣድህቦ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ፡፡

እቶም ረቀቕቲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሰብኣዊ ድሕንነት ምጉልባት፣ ዘይብዳህ ኢኮኖሚያዊ ውዳበ፣ ሓምለዋይን ዘላቒን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ስርዓት ምህናጽ ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ሓገዝን ቴክኒካል ሓገዝን ንምግባር ዘድሀቡ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓቤረታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.