Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ሓቢረን ንምስራሕ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ሓቢረን ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል ካልኣይ ዙር ኮንፈረንስ ኢትዮ-ጃፓን ኢዩ ተፈሪሙ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ክልቲን ሃገራት፣ ካብ ጃፓን ዝመፅኡ ልዕሊ 20 ኩባኒያታት ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ዘለዋ ልምዲ ንኢትዮጵያ እተካፍለሉን ክልቲአን ሃገራት ሓቢረን ንምስራሕ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ዝፍጠረሉን ኮንፈረንስ ኢዩ ኢለን።

ሚኒስትር ዲኤታ መሬት፣ መሰረተ ልማት፣ ትራንስፖርትን ቱሪዝምን ጃፓን ኖቡህዴ ብግደኦም፥ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ብምስታፍ እቲ ዓውዲ ንምድጋፍን ብሓባር ንምስራሕን ድሉው ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.