Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 140 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 140 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሞም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ኣቦ መንበር ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብ ካሊድ ኣልክሁድራብን ክታሞም ኣምቢሮሙሉ።

ብንኡስ ወለድ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ካብ ጠቕላላ ዝተፈረመ ልቓሕ እቲ 75 ሚሊየን ዶላር ካብ ደብረ ማርቆስ ክሳብ ሞጣ ንዝህነፅ ፕሮጀክት መገዲ ዝውዕል እንትኸውን፥ እቲ ፕሮጀክት 118 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ 65 ሚሊየን ዶላር ድማ ንመፈፀሚ ብሄራዊ ፕሮግራም ዋን ዋሽ ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.