Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፊንላንድን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ኮዋሽ ዝውዕል ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፊንላንድን ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ተግባራዊ ዝኸውን መፈፀሚ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይን ሓለዋ ጥዕናን ማሕበረሰብ(ኮዋሽ) ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ብር 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ተፈራሪመን።

ካብ ፊንላንድ ዝመፅኡ ሓለፍቲ ኮዋሽ፣ ኣማኸርቲ ቴክኒክ፣ ኣተሓባባሪ ኮዋሽ ኣብ ኢትዮጵያን መራሒ ጉጅለ ማሕበረሰ ኮዋሽ ክልል ኣምሓራን ኣብ ወረዳ ከባቢ ባህርዳር ጣቢያ ቅንባባ እናተሳለጡ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ዑደት ኣካይዶም።

ካብ ፌዴራል ክሳብ ጣቢያ ዘሎ ስራሕ ብዝተዋደደን ብዝተቐላጠፈን ኩነታት እናተሰርሐ ምዃኑ፥ ኣማኻሪን መተሓባበሪን ኮዋሽ ኣርቱ ሱሚናንት ኣብቲ እዋን ዑደት ተዛሪቦም።

ትሕብብር ገንዘብ ክልቲአን ሃገራት፥ ንመፈፀሚ 4ይ ዙር ፕጀክት ኮዋሽ ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ብር 1 ቢሊየንን 344 ሚሊየንን ምፍርራመን አውን እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም።

እቲ ብር 644 ሚሊየን ብመመንግስቲ ፊንላንድ ዝሽፈን እንትኸውን፥ ብር 700 ሚሊየን ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ንመፈፀሚ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ዝስተ ማይ፣ ሓለዋ ፅሬትን ጥዕናን ማሕበረሰብ ዝውዕል ኢዩ።

ትሕብብር ገንዘብን ቴክኒክን ኢትዮጵያን ፊንላንድን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ሓሙሽቲአን ክልላት ዝርከባ 76 ወረዳታተት ኣብ ዙሪያ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ሓለዋ ፅሬትን ጥዕናን እናሰርሐ ምፅንሑ እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም።

ሽዱሽተ ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት በቲ ኣገልግሎት ተረባሕቲ ምዃኖም ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ፥ ንመፈፀሚ እቲ ፕሮጀክት ድማ ፊንላንደ ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን፣ ኢትዮጵ ብር 700 ሚሊየን ወፃኢ ምግባረን ኣብሪሆም።

ብናትናኤል ጥጋቡ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.