Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያዊ ዕርቂ እንታይ ኢዩ ብዝብል ርእሲ መደረረኽ ዘተ “ወግዒ ሰላም” ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሰላም ኢትዮጵያዊ ዕርቂ እንታይ ኢዩ ብዝብል ርእሲ መደረረኽ ዘተ “ወግዒ ሰላም” ይሳለጥ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ መድረኽ ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ በቢብርኩ እናካየዶም ዝነበሩ ማሕበረሰብ ተኮር ልዝባት መጠቓለሊ መድረኽ ሓዱሽ ሓሳብን እታወትን ክኸውን ንምግባር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኸ ዝተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬህይወት ሽባባው፥ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለቶ ኩነታት ዕርቂ ዘድሊያ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ዕርቂ ሓዱሽ ዕድል፣ ሓዱሽ ዘበንን ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ዝርከበሉ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘለዎ ነዚ እሴት ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ምጥቃምን ፀገማት ምፍታሕ ከምዝከኣልን ኣገንዚበን።

ኣብቲ መድረኽ መምህራን ዩኒቨርሲቲን ተምሃሮን፣ ሰብ ሞያታት ሚዲያ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝመፅኡ መናእሰይን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.