Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ብሓደ ኮይኖም ዝጀመርዎ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ከጠናኽርዎ ይግባእ – ሴናተር ኣሜሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ምስ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ (ስናተር) ግዝኣት ናቫዳ ካትሪን ማሳቶን ኣባል ቤት ምኽሪ ኮሎራዶ ጀይሰን ክሮውንን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘትዮም።

ሴናተር ካትሪን ማሳቶ ኣብ ዘተኦም÷ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብትኹረት እናተኸታተሉ ከምዝኾኑ ንተወከልቲ እቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።

“ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለ ሰናይ ርክብ ከምዘለዎን ብምልዓል፤ እዚ ርክብ ድማ ብቐሊሉ ነፍርሶ ኣይኮነን” ክብሉ ገሊፆም።

ኮንግረስማን ጀይሰ ክሮው ብግደኦም÷ ምምሕዳር ጆ ባይደን፤ ኣጎዋ ብምጥቃም  ህወሓት ንምድጋፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ንሰብዓዊ ሓገዝ ተባሂሎም ዝተዘርገሑ ፕሮጀክትታት ንፖለቲካዊ ረብሓ ምውዓል ኣሜሪካዊ ባህሪ ኣይኮነን” ክብሉ ንተወከልቲ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፆምሎም።

ሴናተር ጀይሰን ክሮው ወሲኾም፤ ጉዳይ ኣጎዋ ከምዝፈልጡን እቲ ጉዳይ ብቕርበት ከምዝከታተልዎን ምግላፆም ካብ ኢትዮጵያ አሜሪካውያን ቤት ምኽሪ ዜጋታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.