Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኢንተርናሽናን ዳያኑ ዘመነ ውድድር 2020 ናይ ፊፋ ባጅ ተዋሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዘመነ ውድድር ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ፀወታታት ዝመርሑ ኢትዮጵያውያን፥ ናይ ፊፋ ባጅ ከምዝተውሃቦም ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ)፥ ዝተሰናድአሎም ፈተና ብቕዓት ኣካል ብብቕዓት ዝሓለፉ ዝርዝር ሽም 21 ኢትዮጵያውያን ኢንተርናሽናል ዳያኑ ንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ  ዕላዊ ገይሩ ምንባሩ  እውን እቲ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ጁፒተር ብዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ባጅ፥ 11 ዋና ዳያኑን 10 ሓገዝቲ ዳያኑን ካብ ፊፋ ዝተልኣኸሎም ባጅ ካብ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳይያስ ጂራ ተቐቢሎም።

ካብ ሞንጎ እቶም ባጅ ዝተረከቡ 21 ዳያኑ፥ እተን 8 ደቂ ኣነስትዮ ኢየን ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.