Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢ ብምቅዋም ኣብ ጣሊያን ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ቅዋም መንግስቲ ብምድጋፍ ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነት ብምቅዋም ኣብ ጣሊያን፣ ሮም ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣካይዳ ግብፅን ሱዳንን ተቓዊሞም።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢሉውን ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ዘይግቡእ ኢድ ኣእታውነትት፣ ሱዳን ዝገበረቶ ወረራ ዶብን ሱዳን ግብፅን ኣብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ዘለዋ ሻጥርን ኣውጊዞም።

ከምኡውን ሚዲያታት ምዕራብ ካብ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ ዘፈንገጠ ፀብፃብ ተቓዊሞም።

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ካብ ምዕራባውያን ፅዕንቶ እንተይኮነ ንዝተመዛበሉን ኣብ ውሽጢ ፀገም ዘለዉን ወገናት ሓገዝ ዝደልዩሉ እዋን ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፆም።

ብተወሳኺ ምስ ካልኣይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ብዝተዛመደ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ንኽካየድን ቀፃሊ ምርጫ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንክዛዘምን ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከምዝድግፉ ገሊፆም።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ሐዚ እውን ምስ ዝተወሰኑ ናይ ወፃኢ መሻርኽቲ ጥፍኣት ብምዃን ዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ሓሶት ብምንዛሕ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዘኽእሎ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶ ንምቕናስ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባርን ሃገራዊ ፕሮጀክቲታት ንምቕፃልን ከምኡውን ሓድነት እዛ ሃገር ንምሕላው ኩሉ ሰብ ኣብ ዘዘለዎ ብምዃን ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ደው ንክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ጎኒ ንጎኒ እቲ ሰልፊ 10 ሺሕ ዩሮ ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ቦንድ ብምግዛእ ድጋፍ ከምዝገበሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.